Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 5 ሺሕ ዕጡቓት ናብ ማእኸላት ከምዝኣተዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)5 ሺሕን 216 ዕጡቓት ሰላም ብምምራፅ ናብ ማእኸላት ከምዝኣተዉ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ እቲ ቢሮ መንገሻ ፈንታው (ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ክብ ህዝቢ ዝተለዓለ ሕቶ መሰረት ብምግባር መንግስቲ ፃውዒት ሰላም ከምዘቕረበ ኣዘኻኺሮም፡፡

ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን መናእሰይን ንዕጡቓት ብምዝርራብ ናብ ማእኸል ክኣትዉ እናገበሩ ከምዝኾኑ ኣልዒሎም፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ኣርባዕቲአን ቀጠናታት 5 ሺሕን 216 ዕጡቓት ሰላም ብምምራፅ ናብ መቐበሊ ማእኸላት ከምዝኣተዉ ምግላፆም ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

ንሰላም እንትመፅኡ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ሓለዋ እናገበረ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፥ ኣብ ቀፃሊ ብዙሓት ዕጡቓት ክኣትዉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ናብ ማእኸላት ንዝኣተዉ ዕጡቓት ድማ ኣድላዪ ሓለዋን ክንክንን እናተገበረሎም ምዃኑ ብምሕባር፥ ዕጡቓት ናብ ማእኸላት ስልጠና ንምእታው እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም፡፡

እቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንኽህልዎ፣ ሓረስቶ ንኸፍርዩ፣ ኣብ ቁጠባዊ ሃፍቲ ተወዳዳሪ ንምዃን ኩሉ ንሰላም ዋጋ ንኽኸፍል ሓቲቶም።

ዕጡቓት ፃውዒት ብምቕባል ሰላም እቲ ክልል ኣብ ምርግጋፅ ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ከምዝግባኦም እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.