Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ሕቶታት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምፍታሕ ኣመራርሓ ናይ ምውዳብ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ሕቶታት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ህዝቢ ንምፍታሕ ኣመራርሓ ናይ ምውዳብ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣባላት ኮማንድ ፖስት ማእከላይ ሸዋ ሎሚ መዓልቲ ምስ መተሓባበርቲ ኣባላት ከተማ ደብረብርሃንን ዞባ ሰሜን ሸዋን ኣብ ኣወዳድባ ኣመራርሓን መሰል ጉዳያትን ምኽክር ገይሮም።

ኣብቲ ክልል ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ክላስተር ዘፈር ልምዓት ከተማን ሓላፊ ቢሮ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣህመዲን መሓመድ (ዶ/ር)÷ ሓዱሽ ኣመራርሓ ሕቶታት ሰላም፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ህዝቢ ብምምላስ ኣብ ሓፂር ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝለዓለሉ ኩነታት ከምዝፍጠር ተዛሪቦም።

ብብርኪ ክልል ዝተሰርሐ ስራሕቲ ምውዳብ ኣመራርሓ÷ ኣብ ዞባታን ምምሕዳር ከተማታትን ኣባላት መተሓበባርቲ ብምውዳብ ከምዝቐፀለ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ሓፀርቲ መዓልቲታት ክሳብ ቀበሌ ዘሎ ደረጃ ብተመሳሳሊ መንግስታዊ ውዳበ ናይ ምጥንኻርን ኣመራርሓ ምውዳብን ከምዝስራሕ ኣብሪሆም።

ብኣበበ የሸዋልኡል

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.