Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኩለመዳይ ምርቓት ሓይሊ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ኣምሓራ ሃገር ካብ ፀላኢ ንምክልኻል ዝስለፉ ኩለመዳይ  ሓይሊታት ኣሰልጢኑ እናመረቐ ይርከብ፡፡

እቶም ሰልጠንቲ ካብ 18 ክሳብ 40 ዕድመ ዘለዎም እንትኾኑ፥ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ስልጠና ዝወሰዱ ኢዮም።

መብዛሕተኦም ሰልጠንቲ ናብ ሰራዊት ምክልኻል፤ ዝተረፉ ድማ ናብ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ዝፅምበሩ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

እቲ ስልጠና ኣብ ሰለስተ ክላስተራት እቲ ክልል ዝካየድ እንትኸውን፥ ናብ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ዝፅምበር ኢዩ።

ኣብ ከተማ ደሴ እናሰልጠኑ ዝርከቡ ሓይሊታት ካብ ደቡብ ወሎን ከተማ ደሴን ዝተውፃእፅኡ እንትኾኑ፥ ን20 መዓልቲታት መሰረታዊ ስልጠና ወሲዶም፡፡

ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚሊሻ ኣምሓራ ጎሹ ስንቴ፥ ሰልጠንቲ እኹል ወታደራዊ ስልጠና ከምዝወሰዱ ኣረጋጊፆም።

ብለይኩን ኣለምን ኣፈወርቅ እያዩን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.