Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ መዓልቲ ንባብ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“ንባብ ባህልና ንግበር” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ክልል ኦሮሚያ 4 ጥሪ መዓልቲ ንባብ ኮይኑ ይኽበር ኣሎ።

ድሕሪ ሕዚ ኣብቲ ክልል ወርሒ ኣብ ዝኣተወ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ፥ መዓልቲ ንባብ ኮይና ክትውዕል ኢያ እውን ተባሂሉ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ነቲ መዓልቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ዝኾ ይኹ ሰብ ባህሊ ንባቡ ንኸማዕብል ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ባህሊ ምንባብ ብፍላይ ካብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጀሚሩ እናማዕበለ ንኽኸይድ ዝተፈላለዩ ውድድራትን ምንቅስቓሳትን ክግበሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

መርሃ ግብሪ መዓልቲ ንባብ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ማእኸል ባህሊ ኦሮሞ፣ ኣብ ዞባታት፣ ምምሕዳር ከተማታትን ወረዳታትን ከምዝካየድ ካብ ቢሮ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.