Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 12 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጊዳሚ ፍሉይ ስሙ ቡልቡል ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብዝበፅሐ ሓደጋ መኪና 12 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ ሎሚ መዓልቲ ቅድሚ ቀትሪ ኣስታት 5 ሰዓት ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ካብ ነቀምቴ ናብ ጊዳሚ እትጓዓዝ ዝነበረት ዶልፊን ዝዓይነታ ተሽከርካሪት ምስ ናይ ፅዕነት መኪና ብምልታማ ኢዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

ቤት ፅሕፈት ትራፊክ ዞባ ምብራቕ ወለጋ፥ መበገሲ እቲ ሓደጋ እታ ናይ ፅዕነት ተሽከርካሪት መንገዲ ብምስሓታ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ህይወት 12 ሰባት እንትሓልፍ፥ ኣብ ልዕሊ 8 ሰባት ድማ ከቢድ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.