Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ልዕሊ 265 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ንምርካብ ተተሊሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ኦሮሚያ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ልዕሊ 265 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ንምርካብ ከምዝሃቀነ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ዕቤት ቁጠባዊ ሃፍቲ እቲ ክልለ 8 ሚኢታዊ ንምብፃሕ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም፡፡

እዚ ንምዕዋት ድማ ግልጋሎት መንግስቲ ዲጂታላይዝ ንምግባርን ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብሙሉእ ዓቕሚ ናብ ስራሕ ኣብ ምእታውን ብዕቱብ ከምዝስራሕ ኣብሪሆም።

ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ፣ ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ፍርያታት ምድንፋዕ፣ ካብ ወፃኢ ዝኣተው ፍርያታት ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ምትካእን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ብትኹረት ዝስረሐሎም ጉዳያት ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ብኣመርቲ ተስፋዬ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.