Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ እናተወሰደ ብዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኩነታት ሰላም እናተመሓየሸ ይርከብ – ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ እናተወሰደ ብዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኩነታት ሰላም እቲ ክልል እናተመሓየሸ ከምዝርከብ ኣብ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኦሮሚያ ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካን ህንፀት ዓቕሚን ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃሒት ገበሩ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)÷ ህዝቢ ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ  ብዙሓት መጥቃዕቲታት እናበፅሖ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ካብ ዝተልዓለ ድማ ናይ ህዝቢ ቀዳማይ ሕቶ ሰላም ኮይኑ ከምዝፀንሐ ኣብሪሆም።

ሓይሊ ፀፅታ ጥንኩር ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ እናወሰደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ነዚ ስዒቡ ድማ ብዙሓት ኣባላት እቲ ግብረ ራዕዲ እናተማረኹን ብሰላም ኢዶም እናሃቡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታ ብምውዳድ እናወሰዱዎ ኣብ ዝርከቡ ስጉምቲ ኩነታት ፀፅታ ብምምሕያሹ ተቛሪፆም ዝነበሩ ግልጋሎታን ፕሮጀክታትን ዳግም ከምዝጀመሩ ገሊፆም።

ኢዶም ብሰላም እናሃቡ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ናብ ማእኸላት ተሃድሶ ንምእታው ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.