Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ካብ ዓውዲ ቱሪዝም 25 ቢሊየን ብር ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ካብ ዓውዲ ቱሪዝም 25 ቢሊየን ብር ከምዝተረኸበ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን እቲ ክልል ገሊፁ።

ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር ትልምን ክትትልን ኦላና ተሾመ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት፥ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መስሕብ ቱሪዝማት ንሃወፅቲ ተበፃሕቲ ንምግባር ጠመተ ሂብካ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

በዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ጉድኣት ዘጋጠሞም ሓድግታት ሕድሳትን ፅገናን ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።

ብመሰረት ትንተና ዕዳጋ ቱሪዘም ኤግዚብሽናት ብምድላው ዕድላት ኢንቨስትመንትን ንሃወፅቲን ናይ ምስሓብ ስራሕ ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 139 ሺሕ ናይ ወፃኢን ብዙሓት ናይ ውሽጢ ዓዲን ሃወፅቲ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ስፍራታት ቱሪዝም ዑደት ከምዝገበሩ ተዛሪቦም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.