Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘጋጠመ ድርቂ ንምፅዋርን ዜጋታት ንምድሓንን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግድኡ ክዋፃእ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘጋጠመ ድርቂ ንምፅዋርን ዜጋታት ንምድሓንን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግድኡ ንኽዋፃእ መንግስቲ እቲ ክልል ፀዊዑ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣወሉ ኣብዲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ድርቂ ብብርኪ ዓለም ለኸ ፈተና እናኾነ ምምፅኡን  ኣብ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ህይወት ሰብን እንስሳትን ሓደጋ እናስዐበ ከምዝርከብን ገሊፆም፡፡

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር÷ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ድርቂ ብዘላቕነት ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዝኾ ኣብሪሆም፡፡

ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት እናጋጠመ ዝርከብ ድርቂ ልዕሊ 7 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዜታት ምድሓን ከምዝተኸኣለ ገሊፆም።

ብምኽንያት እቲ ድርቂ ህይት ሰብን እንስሳትን ከይሓልፍን ተምሃሮ ትምህርቶም ከየቋርፁን ምገባ ተምሃሮ እናተኻየደ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብቲ ክልል ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ብዘጋጠመ ድርቂ 4 ነጥ 3 ሚሊየብ ዜጋታት ሓገዝ ከምዘድልዮም ኣይ ኣወሉ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምፅዋር ዳያስፖራ ሓዊሱ መላእ ኢትዮጵያውያን ግደኦም ንኽዋፅኡ ሓቲቶም።

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.