Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ 5 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ይሰናዳእ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንዝቕፅል ክረምቲ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 5 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ናይ ምስንዳእ ስራሕቲ እናተሰርሐ ምዃኑ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኤሊያስ ከድር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት መርሃ ግብሪታት ሓምለዋይ ኣሰር ኣብቲ ክልል ብዙሕ ረብሓ ዘለዎም ልዕሊ 18 ነጥቢ 6 ቢሊየን ፈልሲታት ተተኺሎም።

ዝተተኸሉ ፈልሲታት ናይ ምፅዳቕ መጠን 88 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡፡

ን2016 ዓ.ም መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ኩለን ዞባታት እቲ ክልል 5 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ናይ ምፍላስ ስራሕ እናተወገነ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.