Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ደቡብ ብልዕሊ 3 ቢልዮን ብር ወፃኢ ዝተፈላለዩ ህንፀት ፕሮጀክታት ይካየዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ብልዕሊ 3 ቢሊዮን ብር ወፃኢ ዝተፈላለዩ ካፒታል ህንፀት ፕሮጀክታት ይካየድ ምህላዉ ቢሮ ፕላንን ልምዓትን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ምስ ኣብያተ ዕዮ በዓል ዋና ፕሮጀክት ብምትሕብባር ኣብ ኣፈፃፅማ ህንፀት ፕሮጀክትታት ከምኡ እውን መርሃ-ግብሪ ድጋፍን ክትትልን የካይድ ምህላዉ ተመላኺቱ።

ምኽትል ሓላፊ እቲ ቢሮን ምድላዋት ትልሚ ማክሮ ኢኮኖሚን ግምገማን ኣይተ ሙባረክ ኣወል ከምዝበሉዎ፥ ብልዕሊ 3 ቢሊዮን ብር ወፃኢ ናይቲ ክልል ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ምምሕዳራውን ምንቅስቓሳት ዘሳልጡ ህንፀት ፕሮጀክትታት ይካየድ ኣሎ።

እቲ ቢሮን መዳርግቲ ኣካላትን፥ ፅሬትን ደረጃን እዘን ህንፀታትን ንምሕላውን ኣብ ዝተትሓዘለን ጊዜ ዛዚምካ ናብ ኣገልግሎት ንምውዓል ብምትሕብባር እናሰርሑ ከምዝርከቡ እውን ኣይተ ሙባረክ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን በዓል ዋና ፕሮጀክት ካብ ዝኾኑ ካብ ማይ፣ መዓድንን ፀዓትን፣ ትራንስፖርትን ልመሰዓት መገድን፣ ጥዕና ቢሮታት ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዝተውፃእፅአ ጉጀለ ሰብ-ሞያ ኣብ ህንፀት ዘለዋ ናይ ፅሩይ መስተ ማይ ፣ መንገድን ትካላት ጥዕናን ደረጃ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክታት ይዕዘብ ምህላዉ እውን ካብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ኮምዩኔኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.