Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ደቡብ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕሊ ብር 153 ሚሊየን ሓገዝ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕሊ ብር 153 ሚሊየን ሓገዝ ከምዝተኣከበ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስን ክልል ደቡብን ኣካቢ ግብረ ሓይሊ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ሰራዊት ምክልኻልን ኣይተ ተፈሪ ኣባተ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ ክሕደት ኣብ ህዝቢ እቲ ክልል ኒሕን ህልኽን ክፍጠር ስለዝገበረ ብዓይነትን ብጥረ ገንዘብን ልዕሊ ብር 153 ሚሊየን ዝግመት ሃፍቲ ሓገዝ ክገብር ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

እቶም ሓላፊ ከምዝገለፁዎ እንተኾይኑ፥ ህዝቢ ክልልለደቡብ ብምትሕብባር ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ መዓልቲታት ጥራሕ ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል 1 ሺሕን 586 ሰንጋታት፣ 286 ኣባጊዕ ከምኡ እውን 430 ኣጣል ርኽክብ ተገይሩ ኢዩ፡፡

ሕብረተሰብ ብተወሳኺ፥ 551 ኩንታል ጣፍ፣ ጠስሚ፣ መዓርን መሰል መሰረታዊ እታወታትን ሓገዝ ከምዝገበረ እውን ገሊፆም።

ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ወርሓዊ መሃየኦም ድጋፍ ከምዝገበሩ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጀሚሩ በቢብርኩ ዝርከቡ ካፋላት ሕብረተሰብ ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ዝኾነ ህያብ ልገሳ ድም ብምክያድ ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ክብሪ ገሊፆም ኢሎም።

ኣብ ክልል ደቡብ ብር 1 ቢሊየን ሓገዝ ንምእካብ ከምዝተሓሰበ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፥ እናተገበረ ዝርከብ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሒሳብ ቁፅሪ 1000354443892 ብምኽፋት ንሰራዊት ምክልኻል ዝግበር ሓገዝ እናቐፀለ ከምዝኾነ እውን ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ምግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.