Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ 2014 ዓ.ም ንልዕሊ 300 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ በጀት ዓመት 2014 ልዕሊ 300 ሽሕ ስራሕ ኣልቦ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈረሎም ፕሬዚዳንት እቲ ክልል ኣይተ ርስቱ ይርዳ ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታትን ክልል ደቡብ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ 6ይ ዙር 1ይ ዓመት ዘመን ኣፈፃፅማ ስራሕ የካይድ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት እቲ ክልል ፀብፃብ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ናብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣቕሪቡ።

ኣብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ክልል 504 ሽሕን 894ን ስራሕ ኣልቦ ዜጋታት ተለሊዮም 306 ሽሕን 51ን ዜጋታት ቀዋምን ግዝያውን ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ገሊፆም።

እቶም ዝተወደቡ ስራሕ ኣልቦ ዜጋታት ብህፁፅ ስራሕ ንኽጅምሩ ዝሕግዝ ልዕሊ 929 ሽሕ ብር ከምዝተዓደለ ሓቢሮም።

ኣብዚ በጀት ዓመት 21 ሽሕን 333 ኢንተርፕራይዛት፤ ኢንዳስትሪ ኤክስቴንሽን ግልጋሎት ንክረኽቡ ከምዝተገበረን ንልዕሊ 126 ሽሕ ትካላት ድማ ስልጠና ከምዝተውሃበን ሓቢሮም።

ኣብ ስራሕ ዝርከባ ኢንተርፕራይዛት ኣብዚ በጀት ዓመት 544 ሚልየንን 445 ሽሕ ብር ንክዓቑራ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ኣብ ዘፈር ኢንተርፕራይዛት ዝኾነ  ዕዳ 1 ቢልየንን 113 ሚሊዮንን 107 ሽሕ ብር ንምምላስ ትልሚ ተታሒዙ 772 ሚልየንን 281 ሽሕ ብር ምምላስ ከምዝኽኣለ ገሊፆም።

ንኢንተርፕራይዛት፤ ንደቀቕትን ኣናእሽተይን ማሕበራት ንመፍረይን መሸጥን ዝውዕል ቦታ 5 ሺሕን 222 ሄክታር መሬት ከምዝተመሓላለፈ ኣይተ ርስቱ ይርዳው ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.