Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ጋምቤላ ህዝቢ ዘልዕሎም ፀማት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምፍታሕ ክሰራሕ ከምዝግባእ ኣፈ ጉባኤ እቲ ክልል ኣገንዚቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ጋምቤላ 6ይ ዓመት ስራሕ መበል 11 ስሩዕ ኣኼቡኡ ዝተፈላለዩ ኣዋጃትን ሽመታትን ብመሃብ ተዛዚሙ።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ጁል ናንጋል ከምዝበሉዎ፥ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሰላም ብዝበለፀ ዘተኣማምን ብምግባር ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ድሌት ህዝቢ ንምርግጋፅ ኣመራርሓ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ፡፡

ዝቕፅል ሃገራዊን ክልላዊን መረፃ ሰላማዊን ብህዝቢ ዝእመንን ኮይኑ ንኽዛዘም በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓታት ብሓላፍነት ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሐ እቲ ጉባኤ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ መንፈቕ ዓመት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ቤት ዕዮ ዋና ኦዲትን እቲ ክልል ተመልኪቱ ኣፅዲቑ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ትልሚ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ዝቕፅል ዝተሓንፈፀ መንፈቕ በጀት ዓመት፣ ዝተፈላለዩ ሽመታትን ብመሃብን ናይ ሓሙሽተ ኣዋጃት ቀሪቂቕ ብምፅዳቕን ዛዚሙ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣይተ ቲቾት ኩመዳን ሓላፊ ቢሮ ንግዲን ኢንዱስትሪን፣ ኣይተ ቡን ዊውን ሓላፊ ቢሮ ማይን ልምዓት መስኖን፣ ኣይተ ቸንኮት ቾትን  ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ከምኡ እውን ሽመት 6 ቀወምቲ ኮሚቴ ምፅዳቑ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ክልል ጋምቤላ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.