Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ተኸላ ፈልሲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲ ምትካል ተጀሚሩ።

ኣብቲ ክፍለ ከተማ ኢንዱስትሪ ፓርክ ቅሊንጦ ሓዊሱ ኣብ 12 ወረዳታት ዝተመረፁ ቦታታት መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እናተሳለጠ ይርከብ።

ኣብቲ ክፍለ ከተማ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ 500 ሺሕ ፈልሲታት ዝትከሉ እንትኾኑ÷ እቶም ፈልሲታት ንፅባቐ እታ ከተማ ዝኾኑ፣ ፍረምረን ንፅላል ዘገልግሉ ተኽሊታትን ይርከቡዎም።

ካብዚ ብመሳሳሊኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ መርሃ ግብሪ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲ ምትካል ተጀሚሩ።

እቲ መርሃ ግብሪ ሓላፊት ቢሮ ፐብሊክ ሰርቪስን ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሂክማ ኬይረዲን እንትኾና÷ ነበርቲ እታ ክፍለ ከተማ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዝተመረፁ ቦታታት÷ መርሃ ግብሪ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲ ምትካል እናተኻየደ ይርከብ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን እቲ ምምሕዳር ከተማን እናተሳተፉ ይርከቡ።

ብሳሙኤል ወርቃየሁን ወንድሙ ኣዱኛ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.