Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኮሪደር ደወሌ ዝርከብ ኬላ ካብ ጂቡቲ ንዘኣትዉ ገናሕቲ መኪና ምርመራ ኮቪድ-19 ንምግባር ዘኽእል ጥማዕ ደም ምውሳድ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኮሪደር ደወሌ ዝርከብ ኬላ ካብ ጂቡቲ ንዘኣትዉ ገናሕቲ መኪና ምርመራ ኮቪድ-19 ንምግባር ዘኽእል ምውሳድ ጥማዕ ደም ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

ጥማዕ ደም ንምውሳድ ዘኽእልን ንፈሊኻ መፅንሒ ዘገልግል ድንኳን ዓራትን ብምድላው ስርሑ ምጅማሩ ተገሊፁ።

ኣብ በዓል መዚ ትራንስፖርት ፌዴራል ዳይሬክተር ሓገዝ ሎጂስቲክስን ዲሜሬጅ ሕጊን ኣተሓባባሪ ግብረ ሓይሊ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ደወሌ ኣይተ ኣበበ እሸቱ፥ ካብ ጂቡቲ ዝተፈላለዩ ኣቕሑት ፅዒኖም ናይ ዝኣትዉ ኣሽከርከርቲ ብምፍላይ ጥማዕ ደም ወሲድካ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ሕክምና ንኽረኸቡ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ምርመራ ኮንቴነር ኣብ ዝፅዕኑ ኣሽከርከርቲ ኢዩ ክጅመር ተገይሩ ዘሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.