Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኲናት እስራኤልን ሃማስን 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፍልስጤማውያን ካብ ጋዛ ተመዛቢሎም – ውሕመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ኲናት እስራኤልን ሃማስን ክሳብ ሕዚ 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፍልስጤማውያን ካብ ጋዛ ከምዝተመዛበሉ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣፍሊጡ።

እቶም ተመዛበልቲ ሰሜን ጋዛን ጋዛን ሓዊሱ ካብ ሓሙሽተ ግዝኣታታ ዝተውፃእፅኡ እንትኾኑ÷ ውሕመ ኣብዘሰናደአሎም ጊዜያዊ መዕቖቢታት ከምዝርከቡ ተሓቢሩ፡፡

መበል 94 ኣብ ዘቑፀረ ኲናት ክሳብ ሕዚ 22 ሺሕን 835 ፍልስጤማውያን እንትሞቱ ልዕሊ 58 ሺሕን 416 ዝኾኑ ከምዝቖሰሉ ተገሊፁ፡፡

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብዚ ሰሙን ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ዘኽእሉ ናውቲ ሕክምና ናብ ሰሜናዊ ጋዛ ንምብፃሕ ፃዕሪ ይግበር እምበር ውሕስና ፀፅታ ብዘይምግባሩ እቲ ልኡኽቶ ሓገዝ ንምቁራፅ ከምዝተገደደ ተሓቢሩ፡፡

ብምኽንያት እቲ ኲናት እናጋጠመ ዝርከብ ሰብኣዊ ቅልውላ ኣብ ዝተበኣኣሰሉ ኩነታት እስራኤል እብ ጋዛ ትገብሮ ኲናት ኣጠናኺራ ከምዝቐፀለት ቲኣርቲ ዎርልድ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.