Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወልቃይት ብልዕሊ 98 ሚልየን ብር ወፃኢ ዝተሃንፁ ዓበይቲ ትካላት ማሕበራዊ ልምዓት ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወረዳ ወልቃይት ብልዕሊ 98 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተሃንፁ ዓበይቲ ትካላት ማሕበራዊ ልምዓት ትማሊ 17 ለካቲት 2012 ዓም ብዕሊ ተመሪቖም።

እቶም ንምረቓት ዝበቕዑ ማሕበራዊ ልምዓታት፥ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይን /ትእምት / ብልዕሊ 41 ሚልየን ብር ዘህነፆም ማእኸል መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን፣ ብሽም ስዉእ ተቓላሳይ ሙሉ ተገኝ ዝተሰየመ ቤት ትምህርቲ ቅድመ መሰናድኦ ከምኡ’ውን ትእምት ምስ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይን ወ/ሮ ኣዜብ መስፍንን ብምዃን ብልዕሊ 57 ሚልየን ብር  ዘህነፅዎ መባእታዊ ሆስፒታል ወልቃይትን እዮም።

ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ርስቁ ኣለማዉ፣ ሓላፊ ቦርድ ትእምት ኣይተ ቴድሮስ ሓጎስን ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ በሪሁን ብሓባር ነቶም ፕሮጀክትታት ዝመረቑ እንትኾኑ፥ ኣብቲ እዋን ብርክት ዝበለ ነባራይ ህዝቢ ወረዳ ወልቃይትን ከባቢኣን ካብ ክልልን ዞባን ዝመፁ ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ካብቶም ንምርቓ ዝበቕዑ ሓደ ዝኾነ መባእታዊ ሆስፒታል ወልቃይት ሸውዓተ ዶኳትር ሓካይም ሓዊሱ ብድምር 120 ሰራሕተኛታት ኣማሊኡ ኣሎ።

ግልጋሎት ዘመናዊ ዲጂታል ራጂ (X-ray)፣ ኣልትራ ሳዉንድ (U-sound)፣ ላብራቶሪ CBC፣ ፋርማሲ፣ ምርመራን ሕክምናን ሕማም ካል-ኣዛር፣ ቀረብ ምግቢ ንድቁሳት ሕሙማት፣ ሕክምና ዝተፀንዑ ሕንጦያትን ሓዊሱ ካልኦት ብደረጃ መባእታዊ ሆስፒታል ዝወሃቡ ግልጋሎት እውን ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ምዕ​ራብ ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.