Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተጠናኸረ ዝናብ ስለዝህሉ ውሕጅን ምግህማስ መሬትን ክህሉ ይኽእል ኢዩ – ብሄራዊ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝህሉ ዝተጠናኸረ ተኸታታሊ ዝኾነ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ኣብ ዝተወሰኑ ከባታት ውሕጅን ምምላእ ወሓዝቲን ከምኡ እውን ምግህማስ መሬትን ክህሉ ከምዝኽእል ብሄ

ራዊ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኣገንዚቡ።

ብምዃኑ ድማበቢከባቢኡ ሕብረተሰብን ዝምልከተም ኣካላትን ኣቐዲሞም ጥንቃቐ ንኽገብሩ እቲ ኢንስቲትዩት ምዒዱ፡፡

ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ነሓሰ፥ ኣብ ከባቢታት ሰሜን ምብራቕ፣ ሰሜን፣ ሰሜን ምዕራብን ማእኸላይ ክፋል እታ ሃገርን ዝናብ ዝህቡ ምስሊታት ሚቲዎሮሎጂ ዝሐሸ ጥንካረ ከምዝህልዎም ሓሬታ ትንበያ ሓቢሩ፡፡

ከባቢታት ምዕራብ፣ ምብራቕ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ፣ ኩለን ዞባታት ሸዋ፣ ጂማ፣ ዙሪያ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ዞባታት ክልል ኣምሓራን ትግራይ ከምኡ እው ዞባታት ክልለ ዓፋር ምስ ስሩዕ ዝተቓረበን ኣብ መብዛሕተኦም ከባቢታት ድማ ካብ ስሩዕ ንላዕሊን ዝናብ ከምዝረኽቡ ካብቲ ኢንስቲትዩት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ኩሎም ከባቢታ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ዞባታት ሃድያ፣ ጉራጌ፣ ስልጤ፣ ወላይታ፣ ጌዲዮ ከምኡ እውን ክልል ሲዳማን ዞባታት ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ዞባታት ቄለም ወለጋ፣ ኢሉኣባቦራ፣ ቡኖ በደሌ፣ ኣርሲን ምዕራብ ኣርሲ፣ ምብራቕን ምዕራብ ሃረርጌን፣ ድሬዳዋና ሃረሪ፣ ኩሎም ዞባታት ክልል ጋምቤላ፣ ዞባታ ሲቲን ፋፈንን ምስ ዝህልዎም ዛሕሊ ዝተሸከመ ፀባይ ኣየር ተተሓሒዡ ኣብ መብዛሕተኦም ምስ ስሩዕ መጠን ዝናብ ዝተፀግዐ ዝናብ ከምዝረኽቡ እቲ ኢንስቲትዩት ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.