Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወፃኢ ንዝነብሩ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ኣቀባብላ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፤ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወፃኢ ንዝነብሩ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ኣቀባብላ ይግበር ኣሎ።

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣህመድ ብዘቕረቡዎ ፃውዒት መሰረት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገር እናኣትዉ ይርከቡ።

“Back to your origins” ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ዝተገበረ ፃውዒት ብሰስተ ዙራት ዝካየድ ኢዩ።

በዚ ድማ ካብ 20 ታሕሳስ ክሳብ 30 ጥሪ ኣብ ቀዳማይ ዙር÷ “ምስ ብዝሃ ባህሊ መሰረቶም ይራኸቡ” ተባሂሉ ኣብ ዝተሰየመ መርሃ ግብሪ ናብ ሃገሮም ክኣትዉ ኢዮም።

እቲ ፃውዒት ተቐቢሎም ንዝመፅኡ÷ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ትኬት፣ ሆቴላትን ትካላት ዑደትን ምንካይ ዋጋ ብምግባር ንምትእንጋስ ከምዝተመዓራረየሎም እናተገለፀ ፀኒሑ ኢዩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.