Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ትውልደ ኢትዮጵያውያን ሓበሬታ ንኽበፅሖም ምስ ኤምባሲታት ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ትውልደ ኢትዮጵያውያን ሓበሬታ ንኽበፅሖም ምስ ኤምባሲታትን ቤት ፅሕፈት ቆንስላታትን እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ዝገበሩዎ ሃገራዊ ፃውዒት÷ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ብዛዕባ ተፈጥሮ፣ ባህሊን ታሪኽን ሃገሮም ንኽፈልጡ ዕላማ ዝገበረ ኢዩ፡፡

ስምዒት ፍቕሪ ሃገሮም ንኽምዕብልን ምስ ሃገሮም ዘለዎም ምትእስሳር ክጠናኸር ኣብ ምግባር ንምዕባለ ሃገሮም ኣስተዋፅኦ ከበርክቱ ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

እዚ ዓብዪ ሃዘራዊ ፃውዒት ዕዉት ንኽኸውን÷ ግልጋሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብምዃን ምስ ኤምባሲታትን ቆንፅላታትን ልዝን ብምግባር ውፅኢታዊ ምንቅስቓሳት እናወገነ ከምዝርከብ ተጠባባቒ ዳይሬክተር ልምዓት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ እቲ ግልጋሎት ነብዩ ሰለሞን ተዛሪቦም።

እቲ ፃውዒት ልዑል ትኹረት ተዋሂቡዎ ብመሰረት ዝወፅአ መርሃ ግብሪ ዝትግበር ከምዝኾነ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ሓቢሮም።

ብመራኦል ከድር

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.