Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወፍሪ ዓወት ዓድዋ ዝተንፀባረቐ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዝግባእ ክንሕዞ ይግባእ- ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወፍሪ ዓወት ዓድዋ ዝተንፀባረቐ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዝግባእ ክንሕዞ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣገንዚቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መበል 128 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ምሉእ ትሕዝትኡ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

እንኳዕ ንመበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብፀሐኩም፡፡

ኣቦታትናን እኖታትናን ዓብዪ ዓወት ዓድዋ ካብ ዝህቡና 128 ዓመታት ኣቑፂና፡፡ ዓወት ዓድዋ ዝሃበና ክብሪታት ግን ብዝግባእ ዝተጠቐምናሎም ኣይመስለኒን፡፡ ብውሑዱ ኣርባዕቲኦም ዓበይቲ ክብሪታት ዓወት ዓድዋ ንህንፀት ሃገር ክንጥቀመሎም ግድን ይኸውን፡፡

እቲ ፈላማይ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢዩ፡፡ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዋና መልክዕ ኢትዮጵያ ምዃኑ ካብ ወፍሪ ዓድዋ ብዝሐሸ ከርኢ ዝኸኣለ ኣጋጣሚ ኣብ ዘበናዊ ታሪኽና ኣይንረክብን፡፡ ወፍሪ ዓድዋ ክልተ ግዘ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ኣርኢዩ ኢዩ፡፡ ናይ መጀመርታ እዋን ወፍሪ እቲ ኲናትን ዓውትን ኢዩ፡፡ ሎሚ ኣብ እንፈልጣ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ናብ ዓድዋ ዘይዘመተ ወገን የለን ኢልካ ምዝራብ ሓቂ ምዝራብ ኢዩ፡፡ እቲ ካልኣይ ኣጋጣሚ ድማ ዓወት ዓድዋ ምስ ዝተረኸበ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ንመጀመርታ እዋን በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትኽበር ትርኢት ዘቕረቡ ካብ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት እታ ሃገር ዝመፅኡ ኣባላት ጦር ኢትዮጵያ ኢዮም ነይሮም፡፡ ኣብዚ ምርኢት ኢትዮጵያ ህብረ ብሄራዊት ሃገር ምዃና ኣብ ኣደባባይ እቲ ሰልፈኛ ኣርኢዩ ነይሩ፡፡

እዚ ኣብ ወፍሪን በዓልን ዓድዋ ዝተንፀባረቐ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣፅኒዕና ክንሕዞ ይግባእ፡፡ ኢትዮጵያ ማለት ህብረ ብሄራዊ መነነት ዘለዎም ህዝቢታት ብሓድነት ዝነብሩላ ሃገር ኢያ፡፡ ህብረ ብሄራዊነቶም ካብ ፈጣሪ እንትረኽቡ ኢዩ፡፡ ሓድነቶም ድማ ንሳቶም ባዕሎም ኣብ ዘበናት ምትእስሳርን መስዋእትነትን ሃኒፆምዎ ኢዮም፡፡ ኢትዮጵያ እዞም ክልተ፣ ነገር ግን ሓደ ካብ ካሊእ እንተይተነፃፀሉ ዝነብሩ መግለፂታት ሓዲጋ ኢትዮጵያ ኣይትኸውንን፡፡ ኣብ ሕድሕድ ጉዕዞኣ እዚ እናረጋገፀት ክትጓዓዝ ኣለዋ፡፡

እቲ ካልኣይ ክብሪ ንዓብዪ ሃገራዊ ዕላማ እንትበሃል ኣናእሽቲ ጠለባት ምስዋእ ምስዋእ ኢዩ፡፡ ናብ ዓድዋ ዝዘመቱ ኩሎም ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ስርዓተ መንግስቲ ዝስማዕምዑን ዝተሓጎሱን ኣይነበሩን፡፡ እንዲያውም ገለገሊኦም ምስቶም ንጉሰ ነገስት ጎንፂን ቅርታን ነይሩዎም ኢዩ፡፡ ገለገሊኦም ድማ ብዝነበረ ሃገራዊ ኩነታ ቅሬታ ተሰሚዑዎም ምስ ፀላኢ ዝሰርሑ ነይሮም ኢዮም፡፡ እቲ ነገር ጉዳይ ሃገር እንትኾም ግን ኩሎም ንኡስ ድሌታቶም ብምሕዳግ፣ ንዝዓበየ ድሌት ንሃገር ህልውና መስዋእቲ ንምዃን መፂኦም፡፡ ዝኾነ ይኹን ድሌት ትሕቲ ድሌት ሃገር ከምዝኾነ ኣርኢዮምና፡፡

ኣሸንኳይ ሎሚ ብዙሕ ዓይነት ሓበሬታ፣ ፍልጠትን ናይ ሓሳብ መገዲታትን ኣብ ዘለዉሉ ዘበን ቅድሚ ሚኢቲ ዓመት እውን ሰባት ፍሉይ ድሌታት ነይሮምዎም ኢዮም፡፡ ብድሌቶም ዝተለዓለ ድማ ቅርታታትን ጎንፂታትን ነይሮም፡፡ ኩሉ ንሓደ ዕላማ ተተኣሳስር ሃገር ትበሃል ኢያ፡፡ ሎሚ እውን ንኡስ ድሌታትና ካብ ኢትዮጵያ ኣይበልፁን፡፡ ንኢትዮጵያ ዘዳኽም፣ ዘንእስን ዘስእንን መገዲ ምስቲ ዓብዪ ዕላማ ዝጋጮ መገዲ ኢዩ፡፡ ኲናት ናይ ዓብዪ ዕላማ ህልውና ኢትዮጵያ ዝኽበረሉ እምበር መፈፀሚ እቲ ዝነኣሰ ከባቢያዊን ግላዊን ዕላማ  ክኸውን ኣይግባእን፡፡ ኲናት ንንኡሽተይ ነገር ዝወፅእ ወፃኢ ኣይኮነን፡፡ እዚ እዋን ብዙሓት ፈተናታት ከምዘለዉዎ ብዙሓት ኣማራፂታት እውን ኣለዉዎ፡፡ ምክርኻር፣ ምዝርራብ፣ ምልዛብ፣ ብሕጊ ምድናይ፣ ሓደ ንካሊእ ምፅዋር፣ ተቖፂሮም ዘይውድኡ ኣትረፍቲ መገዲታት ኣለዉዎ፡፡ እቲ ዝዓበየ ዕላማ ንኢትዮጵያ ንምምዕባል ክንብል ዝነኣሱ ዕላማታት እናሕመሙና እውን እንተኾነ ክንስወኦም ይግባእ፡፡

እቲ ሳልሳይ ክብሪ መረቕን ፍትፍትን ኲናት ምፍላጥ ኢዩ፡፡ ኲናት ክንዲ ዝደለዮ ብዓወት እንተተዛዘመ እውን  ዘኽፍሎ ዋጋ ኣለዎ፡፡ ናብ ዓድዋ ዝዘመቱ ሃገር ኮይኑዎም፤ ሉኣላዊነት ኮይኑዎም፤ ጉዳይ ዝዓበየ ዕላማ ኮይኑዎም እምበር ኲናት ናይ መጀመርታ ምርጫኦም ኣይነበረን፡፡ ዳግማዊ ሃፀይ ምኒልክ እቲ ነገር ብሰላም ንኽዕፆ ደጋጊሞም ፅሒፎም፤ ለሚኖም ኢዮም፡፡ ኣይኮነን፡፡ ወፍሪ ዓድዋ ብዓወት ኢትዮጵያ ተዛዚሙ፡፡ ኢትዮጵያ ዘመትቲ ግን ካብ ዓወት ዝተመለሱ ብሓጎስ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ካብ ፊታውራሪ ገበየሁ ጀሚሩ ብዙሓት ጀጋኑ ነቲ ዓብዪ ዕላማ ንህልውና ኢትዮጵያ ክብሉ ተዊኦም ኢዮም፡፡ ዝኸዱ ኩሎም ኣይተመለሱን፡፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዓወትን ብሓዘንን ኢዩ ተመሊሱ፡፡ ብዙሓት እውን በቢከባቢኦም ብፌስታ ኣይነበረን ነቲ ዓወት ዘኽበሩዎ፡፡ ኢትዮጵያውያን ኣሸንኳይ ብናይባዕሎም ወገናት፣ ብጣልያናውያን ሞት እውን ሓዚኖም ኢዮም፡፡

ኲናት ተገዲድና ጥራሕ ንዝዓበየ ዕላማ እንትንብል ንኣትዎ ናይ መወዳእታ ምርጫ እምበር ካብ ኣፍ ልብና ብቅልጡፍ ንመዞ ኣይኮነን፡፡ ኣብዚን ኣብቲን ዝፍጠሩ ዘይምርድዳኣት ብጠበንጃ ንምፍታሕ ምብጋስ ናይ ዓድዋ ዘመትቲ ሓዘን ዘይምክፋል ኢዩ፡፡ ዓወት ዘመትቲ ዓድዋ ዓወት ጥራሕ ዘይኮነስ ኲናት ዘስዕቦ መከራ እውን ኣምሂሮም ሓሊፎም ኢዮም፡፡

እቲ ራብብዓይ ክብሪ ዓወት ዓድዋ ትዕግስቲ፤ ምድላው እምበር ፍርሒ ዘይምዃኑ ኢዩ፡፡ ጣላይን ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ንኢትዮጵያ እናገፈፉዋ ነይሮም፡፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝበፅሐ ህልቀት እንስሳትን ሰባትን ምኽንያት ብምግባር ትንኮሳ ኣበኣኢሶምዎ ነይሮም፡፡ ኢትዮጵያ እናተገፍዐት እውን እንተኾነ ተዓጊሳ ነይራ፡፡ ትዕግስታ ግን ካብ ዓቕመ ደካማነታ ዝመፅአ ኣይኮነን፡፡ ንዝበኣሰ ነገር እናተሰናደአት ስለዝነበረት እምበር፡፡ እኽሊ ክሳብ ዝበፅሕ፣ ሰብ ክሳብ እግሪ ዝተክል፤ ዝተገእ ኣፅዋር ክሳብ ዝበፅሕ፣ ዝበፅሐ ኣፅዋር ምስቲ ጦር ክሳብ ዝላመድ ተዓጊሳ ኢያ፡፡ ኣብ መወዳእታ ግን ውፅኢት ትዕግስታ ኣብ ጎቦታት ዓድዋ ኣርኢያ ኢያ፡፡

ኢትዮጵያ ሎሚ እውን ክትዕገስ ኢያ፡፡ እናተገፍዐት እውን እንተኾነ ክትዕገስ ኢያ፡፡ ትዕገስ ስለዘይከኣለት ኣይኮነን፡፡ ንዝባሰ ነገር ስለትሰናዳእ ኢዩ፡፡ እቲ ዝበኣሰ ነገር እንትመፅእ ዓወት ዓደዋ ብብዙሕ ዕፅፊ ክትደግሞ ኢያ፡፡

እዞም ክብሪታት ኩሉግዘ ምሕሳብ፣ ሓሲብና ምትግባር ንኽንክእል ዘዘኻኽረና ነገር የድሊ ነይሩ፡፡ ንዓድዋ ዝምጥን ታሪኹን ክብሩን ንሓስበሉ ዝኽሪ እቲ ወፍሪ ኣብ ዝተጀመረሉ ቦታ ፅባሕ ዘህነፅናሉ ግዘ ኢዩ እቲ በዓል ነኽብሮ ዘለና፡፡ እዚ ድማ ንናይዚ ዓመት በዓል ሞገስን ክብሪን ወሲኹሉ ኢዩ፡፡ ሎሚ እቲ ዝኽሪ ብዝኸበረ ኩነታት ወጊንና ኢና፡፡ ነገር ግን ክብሪታት ዓድዋ ብዝግባእ ብምጥቃም ከም ጎቦታት ዓድዋ ዝፀንዐት ኢትዮጵያ ምህናፅ ይተርፈና ኢዩ፡፡ ንሱ ድማ ናይ ኩልና ህድኣት፣ ብስለትን ጥምረትን ይጠልብ፡፡

ዳግም ርሑስ በዓል ዓወት ዓድዋ ይኹነልና፡፡

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘላለም ትንበር!!

ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

22 ለካቲት 2016 ዓ.ም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.