Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውሽጢ ትካላት ፌዴራል ብምብልሻው ተዋህሊሎም ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናውቲ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ክምዝገቡ ኢዮም ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሽጢ ልዕለ 100 ኣብ ዝኾኑ ትካላት ፌዴራል ብምብልሻው ተዋህሊሎም ዝርከቡ መኻይን፣ ማሽነሪታት፣ ላፕቶፓትን ኮምፒዩተራትን ከምኡ እውን ኣቑሑት ፈርኒቸራትን ለካልኦት ናውቲን መርሃ ግብሪ ምምዝጋብ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ መዓልቲታት ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ምምሕዳር ንብረት መንግስቲ ኣይተ ሓጂ ኢብሳ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ትርፊ መኻይንን ብቀሊል ምብልሻው ጠጠው ዝበሉን ናብ ካልኦት ትካላት ተመሓላሊፎም ኣገልግሎት ንኽህቡ ግግበር ኢዩ፡፡

ነዚ ስራሕ ንኽሕግዝ ድማ ውዳበ ሃገር ለኸ ኮሚቴ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ናብ ኩሎም ትካላት ፌዴራል እናተዘዋወረ ትዕዝብቲ ከምዘካይድ ተሓቢሩ፡፡

ብዘይግልጋሎት ጠጠው ኢሎም ዝርከቡ መኻይንን ማሽነሪታትን ብጨረታ ወይ ድማ ብሓራጅ ተሸይጦም ንመንግስቲ ኣታዊ ከምፅኡ ከምዝገብር እውን እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣፍሊጦም፡፡

ከምዚ ዓይነት ስራሕ እንትስራሕ ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ዝተሓበረሉ ምዝገባ ናውቲ ካብ ዝሽየጡ ናውቲ ክሳብ ብር 1 ቢሊየን ኣታዊ ንምእካብ ከምዝተሃቀነ ተገሊፁ፡፡

ኣይተ ሓጂ ኢብሳ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ምዝገባ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ኤጀንሲ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ናብ ሃገር ዘእተዎም ኣብ መኽዚን ዝርከቡ ኬሚካላት ሃንደበታዊ ዕድል ምፍንጃር እንተጋጢሙ ከብፅሑዎ ዝኽእሉ ጉድኣት ብዝምልከት ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎም ምላሽ ሂቦምሉ፡፡

ኣብ ምላሾም ድማ ክሳብ 250 ሜትሮ ጉድኣት ከብፅሕ ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ ዝተውሃበ መልሲ ክልተ መራኸብቲ ሓፋሽ ክሳብ 250 ኪሎ ሜትሮ ጉድኣት ከብፅሕ ይኽእል ኢዩ ኢለን ዘጋውሐኦ ፀብፃብ ሕሶት ስለዝኾነ ምድንጋር ዝፈጠረሎም ዜጋታት እቲ ሓበሬታ ትኽክል ስለዘይኮነ ክሰግኡ ኣይግባእን ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብመለሰ ምትኩ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.