Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ቤልግሬድ 2022 ኢትዮጵያ  ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ብምዝዛማ እንኳዕ ደስ በለና-ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ መበል 18 ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ቤልግሬድ 2022 ውድድር ጒያ ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያ ብ9 ሜዳሊያታት ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ብምዝዛማ ናይ እንኳዕ ደስ በለና መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብቲ ውድድር ብዝነበረኩም ኣዝዩ ዘሐጉስ ተሳትፎን ውፅኢትን ስዒቡ ሰንደቕ ዓላማ ሃገርኩም ኣብ ኣደባባይ ዓለም ልዕል ኢሉ ክውልብለብ በምግባርኩም ኣኹሪዕኹምና እውን ኢሎም።

ስለዝኾነ ብስም መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ልቢ ነመስግን ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ቤልግሬድ 2022 ውድድር ጒያ ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያ ብ9 ሜዳሊያታት ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ምዝዛማ ይዝከር።

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብቲ ውድድር ብክልቲኦም ፆታታት 4 ወርቂ፣ 3 ብሩርን 2 ነሃስን ብድምሩ 9 ሜዳሊያታት ንሃገሮም ኣምፂኦም ኢዮም።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.