Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ሳይንስ፣ ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን /ኢመደኤ/ን ኤጀንሲ ሳይንስ ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂን ክልል ደቡብ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢመደኤ ዶክተር ኣንተነህ ተስፋየ፥ ኤጀንሲ እቲ ክልል እዋኑ ዘሓቶ ቴክኖሎጂ ንምጥቃምን ድሕንነት ሳይቨር ንምርግጋፅ ምስቲ ትካል ብሓባር ንምስራሕ ምውሳኑ ንኢዶም፡፡

ኤጀንሲ ሳይንስ ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂን ክልል ደቡብ፥ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ንምዝርጋሕ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ኢመደኤ ናይ ባዕሉ ሓላፍነት ክዋፃእ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ሓላፊ ኤጀንሲ ሳይንስ ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂን ክልል ደቡብ ኣይተ ገቡሬ ጋጌ ብግደኦም፥ ቤት ዕዮኦም ምስ ኢመደኤ ኣብ ድሕንነት ሳይበር ብሓባር እናሰርሑ ከምዝነበረን እቲ ትካል እዋኑ ዝሓቶ ዘበናዊ ኣሰራርሓ ንምጥቃምን ተቓላዕነት መጥቃዕቲ ሳይበር ንምንካይ ይሕግዝ ኢዩ ምባሎም ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.