Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ኣውቶሞቲቪል ናይ ሳፋሪ ተሽከርከርቲ ንምፍራይ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኣፍረይቲ ምሽጢ ሃገር ንምብረትታዕን ንፍርያታት ውሽጢ ሃገር ቅድሚት ንመሃብን ብዝተቐመጠ ኣንፈት መሰረት ኣብ ዓውዲ ኣውቶሞቲቪል ናይ ሳፋሪ ተሽከርከርቲ ንምፍራይ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣመራርሓን ኣባላትን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት መዓድንን ኢንዱስትሪን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ  ከይዲ ምፍራይ ተሸከርከርቲ ሳፋሪ ዝርከበሉ ብርኪ ኣብ መፍረዪ ኢንዱስትሪ ኣውቶሞቲቭ ቢሾፍቱ ዑደት ገይሮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዑደት ድማ ኣፍረይቲ ውሽጢ ዓዲ ንምብርትታዕን ንፍርያት ውሽጢ ሃገር ቅድሚት ንመሃብ ብዝተቐመጠ ኣንፈት መሰረትን ኣብ ዓውዲ ኣውቶሞቲቪል ናይ ሳፋሪ ተሽከርከርቲ ንምፍራይ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብፍላይ ስግግር ቴክኖሎጂ ብምስፋሕ ንዓውዲ ቱሪዝም ምቹው ኩነታት ንምፍጣር፣ ንዜጋታት ዘላቒ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ግደ ተሽከርከርቲ ሳፋሪ ዕዙዝ ከምዝኾነ ሓበሬታ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.