Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ግብርና ዝረኸብናዮ ዓወት ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ንምድጋም ግዙፍ ትልሚ ኣለና-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ግብርና ዝረኸብናዮ ዓወት ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ንምድጋም ግዙፍ ትልሚ ኣለና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ህንፀት ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ገዳ ኣብ መንጎ ክልል ኦሮሚያን ሲ ሲ ኢ ሲሲን ዝተገበረ መርሃ ግብሪ ስምምዐነት ሰነድ ስራሕቲ ምልማዕ ናፃ ቀጣና ንግዲ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ገዳ ሉሜ ኣጀሚሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)፥ ዞባ ኢንዱስትሪ ገዳ ዓቕሚ ሃገርናን ቀጣናናን ብምቕላዕ ራእይና ንምዕዋት ዝሕግዝ ቁልፊ ትካል ብምዃን ከገልግል ኢዩ።

ናፃ ቀጣና ነግዲ ሎሜ ኣብ ዞባ ኢንዱስትሪ ብምዃን ኣብ ምስረትኡ ኢሉውን ተግባራዊ ስራሕ ኣብ ዝጅመረሉ እዋን ካብ ድሬዳዋ ቀፂሉ ካልኣይ ናፃ ቀጣና ንግዲ ክኸወን ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ እቲ ቀጣና ንግዲ ዕድላት ምዕባለ ኢኮኖሚን ልምዓትን ዘስፍሕ ኢዩ ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም።

ኣብ ዓውዲ ግብርና ዝረኸብናዮ ዓወት ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ንምድጋም ግዙፍ ትልሚ ኣለና እውን ኢሎም።

ነዚ ድማ ደገፍ ፖሊሲ ኡሉ እውን ነቲ ዞባ ኢኮኖሚ ቀፃሊ ምንቅስቓስ ፅኑዕ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ክካየድ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.