Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓዲግራት ብልዕሊ 351 ሚልየን ብር ህንፀት 12 ፕሮጀክትታት ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓዲግራት ብልዕሊ 351 ሚልየን ብር ህንፀት 12 ፕሮጀክትታት ንምስላጥ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቶም ፕሮጀክትታት፥ ባንኪ ዓለም ብዝምድቦ በጀትን ብውሽጣዊ ኣታዊ ቤት መዘገጃን ዝሳለጡ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ኣይተ ፀጋይ ኪዳነ፥ እቶም ዝህነፁ ፕሮጀክታት ልምዓት ኣብ ምርግጋፅ ዕብየት እታ ከተማ ዝለዓለ ግደ ኣለዎም ኢሎም።

ካብ መንጎ እቶም ዝህነፁ ፕሮጀክታት ልምዓት፥ ምንፃፍ መልከዐኛ እምኒ(ኮብልስቶን)፣ ዝርገሐ መስተ ማይ፣ ዝርገሐ መብራህትን ካልኦትን ዘካተቱ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ከይዲ ህንፀቶም ኣብ ቀረባ መዓልታት ከምዝጅመር እውን ኣብሪሆም።

ነዚ ድማ እቶም ክልተ ፕሮጀክትታት ቅድም ኢሎም ንጨረታ ክፉት ዝተገበሩ አንትኾኑ፥ እቶም ዝተረፉ 10 ፕሮጀክታት ድማ ዲዛይንን ስፔስፊኬሽንን ተዳሊውሎም ብምህላዉ ኣብ ቀረባ  መዓልታት ናብ ጨረታ ከምዝቐርቡ ምግላፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.