Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓፋር ክልል ብምኽኒያት ህወሓት ንዝተፈናቐሉ ዜጋታት ልዕሊ 102 ሚሊየን ብር   ድጋፍ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ) ብሰላም ሚኒስትር ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ዝተመርሐ ብሔራዊ ህፁፅ ጊዘ መተሓባበሪ ማእኸል ኮሚቴ ኣባላት ሚኒስትራት ዝሓቖፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓፋር ክልል ብምኽኒያት ህወሓት ንዝተፈናቐሉ ዜጋታት ልዕሊ 102 ሚሊየን ብር   ድጋፍ ገይሩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ አብ ከተማ ሰመራ ብምርካብ እቲ ድጋፍ ንርእሰ ምእምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣረኪቡ፡፡

እቲ ድጋፍ ልዕሊ 60 ሚሊየን ብር  ብጥረ ገንዘብን ዝተረፈ ድማ ብዓይነት ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ድጋፍ ካብ ካብ መንጎ ዝገበሩ ሚኒስቴር እቶት፣ ናይ ከተማ ልምዓትን ኮንስትራክሽንን ሚኒስቴር፣ ናይ ኣባይቲ ልምዓትን ኮርፖሬሽንን ትምህርቲ ሚኒስቴር ይርከቡዎም፡፡

ኣየተ ኣወል አርባ “ኣሸባሪ ህወሓት  ብዝኸፈተልና  ወረራ ልዑል  መሠረተ-ልምዓትን ሰብአዊ ጉድኣትን በፂሑና ኢዩ” ኢሎም፡፡

” ኢትዮጵያዊያን ነይ ሓባር ፀላኢና ፈሊጠናብሓባር ንሉአላዊነትናን  ክብርናን ደው ንክንብል ፅቡቕ ኣጋጣሚ ፈጢሩልና ኢዩ” እውን ኢሎም፡፡

ክልላት ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሚኒስቴር ኣብያተ ዕዮ ንህዝቢ እቲ ክልል ንምድጋፍ ንዘርኣይዎ ተበግሰ ንኢደም።

ናይ ሰላም ሚኒስትር ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል፥ ብሔራዊ ህፁፅ ጊዘ መተሓባበሪ ማእኸል ኮሚቴ  ሚኒስትራት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምእሕብባር ብጦርነት ንዝተፈናቐሉ ዜጋታት ንምሕጋዝ ይሰርሕ ምህላዉ ምግላፀን ግዜኢ ዘጊቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.