Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝተዋፈሩ ኣዘዋወርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝውዓለ ፖሊስ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝተዋፈሩ ኣዘዋወርቲ ሓዊሱ 117 ካብ ሃገር ክወፅኡ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ብዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ተታሊሎም ብክልል ሶማሌ ኣቢሎም ካብ ሃገር ክወፅኡ እንትፍትኑ ኣብ ቶጎ ውጫሌ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ገሊፁ፡፡

ናይ መብዛሕተኦም ዕድመ ካብ 15 ዓመት  ከምዘይበልፅ እውን ሓበሬታ ፖሊስ ፌዴራል የመላኽት፡፡

ሕብረተሰብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ወዲ ሰብ ምዝውዋር ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝኾነ ብምግንዛብ መሰል ተግባር እንትዕዘብ ንኣካላት ፀፅታ ሓበሬታ ንኽህብ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.