Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ንምእካብ ካብ ዝተተለመ እቲ 80 ሚኢታዊ ፍሪያት ተኣኪቡ-ሚኒስቴር ሕርሻ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ንምእካብ ካብ ዝተተለመ 13 ነጥቢ 95 ሚሊየን ሄክታር መሬት እቲ  11 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሔክታር ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር  ኣብ ዘዳለዎ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዝበሎ፥ ብመስኖ 1 ነጥቢ 32 ሚሊየን ሄክታር መሬት ንምሕራስ ተተሊሙ ክሳብ 24 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም 1 ነጥቢ 36 ሚሊየን ሄክታር ተሓሪሱ።

ካብዚ እቲ 1 ነጥቢ 24 ሚሊየን ሄክታር ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ተሓቢሩ።

ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2014/15 ዓ.ም 14 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ድማ ተገሊፁ።

ካብቲ ዝተሓረሰ መሬት እቲ 19 ነጥቢ 14  ሚኢታዊ ብዘበናዊ ትራክተራት ከምዝተሓረሰ ኣብቲ ፀብፃብ ተሓቢሩ።

1 ነጥቢ 17 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ፣ 122 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ከምዝቐረበ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ፀብፃቡ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.