Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝቕፅል መረፃ ክትኮረሉ ዝግባእ ዋና ጉዳይ ሰብ ወፂኡ ከይመርፅ ድሕንነት ከይስመዖን ኣብ ዝገብሩ ቁፃራት ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝቕፅል መረፃ ሰላማዊነት ከተማታት ከምዘየተሓሳስብን ሰብ ወፂኡ ከይመርፅን ድሕንነት ከይስምዖን ኣብ ዝገብሩ ኣካላት ትኹረት ክግበር ከምግባእን ገሊፆም።

ኣብ መድረኽ ኣዲስ ወግዒ ዝተሳተፉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሕብረተሰብ ብእዋኑ ንኣካላት ፀፅታ ሓበሬታ ብመሃብ ከጋጥም ዝኽእል ስግኣት ፀፅታ ምክልኻል ከምዝከኣል ኣብሪሆም።

“ዝቕፅል መረፃ ዕድልን ፀገማትን ሒዙ ኢዩ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ክልቲኡ ተገንዚቡ ንምምራፅ ዝለዓልን ዝመርፁ ኣካላት ሓጋውነት ዘረጋገፀ ማሕበረሰብ ንኽፍጠር ተመሳሰልቲ ዘተታት ከምድልዩ ገሊፆም።

እቲ ኣጋጣሚ መፍጠሪ ዕግርግር ንምግባር ዝደሊዩ ቁፃራት ምህላዎም ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ፀገማት ፈሪሖም ሕዚ መረፃ ኣየድሊን ዝብሉ ኣካላት ከምዘለዉ እውን ተዛሪቦም፡፡

“ዕላማና ኢትዮጵያ ሰዓሪት ምግባር ስለዝኾነ፤ ኩልና ኢትዮጵውያን ነዙይ ንተሓባበር” ክብሉ ፀዊዖም።

እቲ መረፃ ካብ ዝሓለፉ መረፃታት ዝሐሸ ውፅኢት ክርከብ ኢዩ ኢሎም ከምዘኣምኑ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምግላፆም ካብ ቤተር ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.