Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተመረፁ ውልቀ ትካላት ጥዕና ክታበት ኮቪድ-19ን ስሩዕ ክታበታትን ምሃብ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተመረፁ ውልቀ ትካላት ጥዕና ክታበት ኮቪድ-19 ምስ ካልኦት ስሩዕ ክታበታት ንምሃብ ዘኽእል ሓዱሽ ኣሰራርሓ ከምዝጀመረ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶ/ር ደረጀ ዱጉማ ÷ እቲ ክታበት ካብ መንግስታዊ ትካላት ሕክምና ብተወሳኺ ኣብ ዝተመረፁ ውልቀ ትካላት ጥዕና ንኽወሃብ ከምዝተገበረ ምስ ውልቀ ትካላት ጥዕና ዘሎ ምትሕብባር ዘጠናኽር ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ከተማታት 35 ሚኢታዊ ዝኸውን ሕብረተሰብ ግልጋሎት ጥዕና ዝረክብ ካብ ውልከ ትካላት ጥዕና ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“እዚ ድማ ኣብ 2030 ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ንምንካይ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ኣስተዋፅኦ ውልቀ ትካላት ጥዕና ኣድላዪ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ተሓከምቲ ውልቀ ትካላት ጥዕና እናተጠቐሙ ምስ ምዃኖም ተተሓሒዙ ምስ ውልቀ ትካላት ጥዕና ብሓባር ምስራሕ ምጅማሩ ነቲ ዓውዲ ከምዘዕብዮ ኣብሪሆም።

እቲ ግልጋሎት ኣብ ዝተመረፃ 40 ትካላት ሕክምና ብፍላይ ብምኽንያት ጎንፂ ዝተጎድኡ 7 ክልላት እታ ሃገርን 2 ምምሕዳር ከተማታትን ከምዝስራሕ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.