Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝተፈላለዩ ፓርቲታት ከባቢታት ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ነበርቲ ንፓርቲታት ከባቢታት ዝድግፍ ሰልፊ ኣካይዶም፡፡

ሰልፊ ድጋፍ ፓርቲ ብልፅግና፥ ኣብ ከተማ ጎንደር፣ ኣብ ዞባታት ማእኸላይ፣ ምዕራብን ሰሜንን ጎንደር ኣብ ዝርከባ ናይ ወረዳ ከተማታት ከምኡ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልኪ ላፍቶ ተኻይዱ፡፡

ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፥ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ሓዊሱ ሕፁያትን ኣባላትን ፓርቲ ብልፅግና እታ ከተማ ተረኺቦም።

ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዝተሳለጠ ሰልፊ ድጋፍ ድማ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣይተ ኣሕመድ መሓመድ ቡህን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ መብራህቲ ገየስን ሓዊሱ ኣባላትን ደገፍቲን እቲ ፓርቲ ተረኺቦም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልኪ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ድጋፍ ፓርቲ ብልፅግና፥ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ኣባላት እቲ ፓርቲ ተረኺቦም።

ሰልፊ ድጋፍ ኢዜማ፥ ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን፣ ወረዳ እነሞርን ኤነርን መረፃ ወይራን ሚቄን፣ ከተማ ጉንቸሬ ጎስጓስ መረፃ ኣካይዱ።

ሰልፊ ድጋፍ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ድማ ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ዝተኻየደ እንትኸውን፥ እቲ ፓርቲ ኣብ ከተማ ደብረ ታቦር ኣብ ዘካየዶ መድረኽ ንመረፃ 2013 ዓ.ም ዘዳለዎ ማኒፌስቶ ንኣባላቱን ደገፍቱን ኣፋሊጡ።

ሒደት መዓልቲታት ኣብ ዝተረፉዎ 6ይ ሃገራዊ መረፃ፥ መዛዘሚ ፕሮግራም ጎስጓስ መረፃ ፓርቲታት እናገበሩ ይርከቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.