Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ክብረ ወሰን ብምምሕያሽ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኻየዱ ዓለም ለኸ ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ክብረ ወሰን ብምምሕያሽ ሓዊሱ ተዓዊቶም።

ኣብ ማራቶን ሃምቡርግ ኣትሌት ያለም ዘርፍ የኋው 2 ሰዓት 17 ደቒቕ 23 ሰኮንድ ብዝኾነ ሰዓት ብምእታውን ክብረ ወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽን ተዓዊታ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ማራቶን ማድሪድ ኣትሌት ስራነሽ ይርጋ ናይቲ ቦታ ክብረ ወሰን ብምምሕያሽ ቀዳመይቲ ወፂኣ፡፡

ኣብቲ ውድድር ኣትሌት መሰረት ኣበባየሁ ካልአይቲ ኮይና ውድድራ ዛዚማ።

ኣብ ኢንሼዴ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ድማ ኣለም ፀሃይ ኣሰፋ ካልአይቲ፣ ኣትሌት ኣበራሽ ፈይሳ ራብዐይቲ ኮይነን ውድድረን ምዝዛመን ካበ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ ውድድር ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ታዱ ኣባተ ሳልሳይ ደረጃ ወፂኡ፡፡

ኣብ ማራቶን ቬና ብደቂ ኣንስትዮ ኡርጌ ሰቦቃ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ውድድራ ዛዚማ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.