Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሰበ ተኮር ፕሮጀክታት ንኽስፋሕፍሑ ክስራሕ ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሰብ ተኮር ፕሮጀክታት ንኽስፋሕፍሑ ክስራሕ ኢዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣሲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ እዚ ዝበላ÷ ህንፀት ማእኸል ምግብና ከተማ ጎንደር እምነ ኹርናዕ ኣብ ዘንበራሉ እዋን ኢዩ።

እቲ እምነ ኹርናዕ÷ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣሲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞን ብሓባር ኣንቢሮምዎ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ፥ ኣዲስ ኣበባን ጎንደርን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምትሕብባር ብምስራሕ ኣሓት ከተማታት ኢየን።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ሰብ ተኮር ፕሮጀክታት እናተሰርሒ ከምዝኾኑ ዝሓበራ እተን ከንቲባ፥ እዚ ድማ ናብ ካልኦት ከተማታት እታ ሃገር ክሰፍሕ መንግስቲ እናሰርሐ ይርከብ ኢለን።

ኣብ ከተማ ጎንደር ዝህነፅ ማእኸል ምግቢ ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ ዝዛዘም ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሙሉእ ወፃኢኡ ከምዝሽፍን ሓቢረን።

ብምናለ ኣየነው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.