Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ሃላባ ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝውዕለ ብር 27 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ሃላባ ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝውዕለ ብር 27 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሓገዝ ተገይሩ።

ኣብ ሃላባ ቁሊቶ “ቱር ህዳሰ ጎስጓ መኪና” ተኻይዱ፡፡

ኣማኻሪ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሃላባ ኣይተ ከድር ቆርቾ፥ እቲ ዞባ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ ብር 27 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሓገዝ ምግባሩ ገሊጦም፡፡

ተወካሊ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ መተሓባበሪ ተሳትፎ ህዝቢ ኣይተ ዳንኤል ተስፋየ ብግደኦም፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ መላእ ሃገር ንመህነፂ እቲ ግድብ ዝኸውን ብር 14 ነጥቢ 4 ቢሊየን ተኣኪቡ ህንፀት እቲ ግድብ ድማ 78 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ከምዝተሳለጠ ገሊፆም፡፡

በሀላባ ቁሊቶ የሕዳሴ ቱር የመኪና ላይ ቅስቀሳውን ያደረገው የሕዳሴ ግድብ ግንባታ ሕዝባዊ ተሳትፎ ማስተባበሪያ ብሔራዊ ምክር ቤት ከኢትዮጵያ ታሪክ፣ ባህልና ቅርስ አድን ድርጅት ጋር በመተባበር ነው፡፡

ኣብቲ ዝተኻየደ ጎስጓ ቤት ምኽሪ እቲ ዞባ ብር 10 ሺሕ ወፃኢ ብምግባር ናይ ኣፍ ልቢ ፒን ዝገዝአ እንትኸውን፥ መሸጣ ቦንድን መርሃ ግብሪ ሓፂር መልእኽቲ 8100A ተኻይዱ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.