Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ሃዲያ ከተማ ሾኔ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 4 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ ዞባ ሃዲያ ከተማ ሾኔ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 4 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ካልኦት ክልተ ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ኣብ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሓላፊ ክፍሊ ሓበሬታን ስተትስቲክስን ምክልኻል ሓደጋ ትራፊክ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል  ኢንስፔክተር ታምራት ደሳለኝ፥ እቲ ሓደጋ ለይቲ 11 ሰዓትን 40 ደቓይቕን ከምዘጋጠመ ተዛሪቦም።

ካብ ወላይታ ሶዶ ናብ ኣዲስ ኣበባ እትጓዓዝ ዝነበረት ፒካፕ ብተፃራሪ ኣንፈት እትጓዓዝ ምስ ዝነበረት ባጃጅ ብምልታማ እቲ ሓደጋ ምግጣሙ ገሊፆም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.