Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ መተከል ተዓጢቖም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዕጡቓት ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳ ዳንጉር ቀበሌ ቆታ ብቀላጤን ወገዴ ዝምራሕ ዕጡቕ ጉሙዝ ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ዝተቐበሉ 73 ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ተበንጀኦም ብምድፋእ ናብ ተመሊሶም።

“ምቅታል የኣክል ምትሕብባርናን ፀገማትናን ብልዝብ ንፍታሕ” ብዝብል ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ብምቕባል ኢዮም እቶም 73 ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ናብ ሰላ ተመሊሶም ዘለዉ፡፡

ኣባላት እቲጉጅለ ናብ ሰላም እንትምለሱ÷ ምስቶም ጉጅለ ዕጡቓትን ናይ ነፍሲወከፍ መሳሪሒታትን ከምዝኾነ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብ ሞንጎ እቶም መሳርሒታት ብሬን፣ ኣር ፒ ጂ፣ ስናይፐርን ክላሽንኮቭን ሓዊሱ ካልኦት ኣፅዋራት ይርከቡዎም፡፡

ነቶም ኣባላት ጉጅለ ዕጡቓት ናብ ከተማ ግልገል በለስ ብምምፃእ ኣመራርሓታት እቲ ክልልን ዞባን ኣብ ዘለዉዎ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ናብ ሰላማዊ ናብረኦም ከምዘተፀምበሩ ተሓቢሩ፡፡

ንሰላም ዝተዘርግሓ ኣእዳው ካብ ኣፈሙዝ ንላዕሊ ብልዕልነት ሓሳብ ዝኣመኑ ከምዝኾኑ ኣብቲ እዋን ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.