Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን መጥቃዕቲ እናፈፀመ ዝርከብ ጉጅለ ጥፍኣት ዝተጠናኸረ ስጉም አናተወሰደሉ ከምዝርከብ ኣብቲ ዞባ ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን መጥቃዕቲ እናፈፀመ ዝርከብ ጉጅለ ጥፍኣት ዝተጠናኸረ ስጉም አናተወሰደሉ ከምዝርከብ ኣብቲ ዞባ ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ ሓይሊ፥ ዘለዉ ፀገማ ካብ ሱሮም ንምፍታሕ ናይ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን እዋን ትልሚ ኣውፂኡ እናተግበረ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ብመዓርግ ሚኒስትር ኣተሓባባሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ተስፋየ በልጅጌ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዝውሰድ ሕጋዊ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ 15 መዓልቲታት ኣመራርሓታት ሓዊሱ ብዙሓት ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊጾም።

ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ናይ ተስፋ ምቑራፅ መጥቃዕቲ እናፈፀሙ ከምዝርከቡን ኣብቶም ከባቢታት ሓይሊታት ፀፅታ ብቕልጡፍ በፂሖም ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ስጉምቲ ምውሳዶም ኣብሪሆም።

ሰላም እቲ ከባቢ ንምሕላው ምስዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ጎድና ገድኒ ውዳበታት መንግስቲ ናይ ምፅራይን እምነት ህዝቢ ዝረኸቡ ሓደሽቲ ኣመራርሓታት ናይ ምትካእ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.