Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ዳንጉር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከብፅሑ ካብ መንጎ ዝፀንሑ እቶም 16 ሸፋቱ ተደምሲሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጥቅምቲ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ዳንጉር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከብፅሑ ካብ መንጎ ዝፀንሑ  እቶም 16 ሸፋቱ ተደምሲሶም።

እቶም ሸፋቱ ዝተደምሰስሉ ኣብቲ ከባቢ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ይሰርሑ ንዘለዉ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስ ፌዴራልን ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ክልልን ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ዞባ መተከል ብፍላይ ተልእኾ ጥፍኣት ህወሓት ብምቕባል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን መጥቃዕቲ የብፅሕ ዘሎ ሓይሊ ፀረ ሰላም፥ ሙሉእ ብሙሉእ ንምውጋድን እቲ ከባቢ ናብ ዘላቒ ሰላም ንምምላስን ይውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕበር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.