Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ሸካ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝተሃነፀ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ሸካ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝተሃነፀ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቐ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደገሌ፥ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝተመረቑ ቁፅሪ ኣቢያተ ትምህርቲ 17 ኣብፂሑዎ።

ኣብ ክልል ደቡብ ድማ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ሰለስተ ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝተሃነፁ ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ቤት ትምህርቲ ሸሞንተ መምሃሪ ክፍሊታት ዘለዉዎ እንትኾኑ፥ ቤተ ፈተነን ናይ ምምሕዳር ብሎካትን ዘካተተ ኢዩ።

ንህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ 10 ሚሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.