Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ዓለም ለኸ ሕጊ፣ ኣፈታትሓ ጎንፂን ሉኣላውነትን ዝብሉ ጉዳያት ብምትኳር መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ዕላማ እቲ መድረኽ፥ ምኽንያታዊ ዘይኮኑ ፅዕንቶታት ግንዛበ ብምፍጣር እቲ ፅዕንቶ ብዝተፀንዐን ምኽንያታዊ ብዝኾነ መገዲን መልሲ ንመሃብ ምዃኑ ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር ኣፈወርቅ ካሱ ተዛሪቦም።

እቲ መድረኽ ዘተ ብዩኒቨርሲቲ ጎንደር ክፍሊ ትምህርቲ ዝተሰናድአ ታሽዓይ ጉባኤ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ መፅናዕቲ ዝገበሩ ሙሁራንን ኣምባሳደራትን ተረኺቦም፡፡

ንኽልተ መዓልቲታት ዝፀንሕ እቲ መድረኽ፥ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ዘተ ከምዝካየድን ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ድማ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ከምዝካየድን ተገሊፁ።

ብክብረወሰን ኑሩ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.