Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደምቢን መምርሒታትን ኣወጅ ህፁፅ እዋን ዝረኣዩ ክፍተታት ንምምሕያሽ ዘኽእል ንኣመራርሓታት ፖሊስ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮናስ ንምክልኻል ዝተደንገገ ደምቢን መምርሒታትን ኣወጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ኣፈፃፅምኡ ዝረኣዩ ክፍተታት ንምምሕያሽ ዘኽእል ንኣመራርሓታት ፖሊስ ስልጠና እናተውሃበ ምዃኑ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ዓቃቢት ሕጊ ፌዴራል ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ክፍተታት ብምምሕያሽ ናይ ሓባር ግንዛበን ስሩዕ ዝኾነ ስራሕቲ ኣተገባብራ ሕጊ ንኽህሉ ንኣመራርሓታት ፖሊስ ፌዴራል፣ ክልልን ምምሕዳር ከተማታትን ስልጠና ይወሃብ ከምዘሎ ገሊፀን።

እቲ ስልጠና ኣብ ኣተገባብርኡ ዝረኣዩ ፀገማትን ክፍተታትን ትኹረት ብምግባር ኣብ ምኽባርን ምሕላውን ሕጊ ምሽብሻብ ንምግባር ከምዝሕግዝ እውን ኣብሪሀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.