Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ሓዱሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኣፍሪካ ሓዱሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ምርካባ ኣፍሊጣ።

ተመራመርቲ ሲ.1.2 ኣብ ዝተብሃለ ሓዱሽ ዓሌት ክትትል እናገበሩ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እቲ ሓዱሽ ዓሌት፥ ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ብተወሳኺ ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪካ፣ እስያ፣ ኣውሮፓን ኦሺኒያን እውን ተራኢዩ ተባሂሉ፡፡

ተመራመርቲ እውን ባህሪን ኩነታትን እቲ ሓዱሽ ዓሌት እናፅንዑ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም መራሒ ቴክኒክ ቫይረስ ኮሮና ማሪያ ቫን ከርክሆቭ፥ እቲ ዓሌት እናተላበደ ዘሎ ኣይመስልን ኢለን።

ዓሌት ዴልታ ሕዚ እውን ብልዑል ኩነታት ብምስፍሕፋሕ ቀዳማይ ኢዩ ዝበላ እተን ሓላፊት፥ እቲ ሓዱሽ ዓሌት እናተላበደ እንተኸይዱ ውድብ ጥዕና ዓለም ዕላዊ ከምዝገብር ኣብሪሀን፡፡

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ 2 ሚሊየን 770 ሺሕን 575 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና እንትተሓዙ፥ 81 ሺሕን 830 ድማ ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.