Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዳርፉር ዝርከብ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ልኡኽቱኡ ዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካ ብጥምረት ኣብ ሱዳን ዳርፉር ዘዋፈሩዎ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ልኡኽቱኡ ምዝዛሙ ተገሊፁ።

እቲ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም /ዩናሚድ/ ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ መንግስቲ ሱዳን ፀፅታን ድሕንነትን ንምሕላው ሓላፍነቱ ክወስድ ኢዩ ኢሉ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 15 ኣባላት ዝሓዘ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ቤት ምኽሪ ፀፅታ፥ ልኡኽትኡ ንኸብቅዕ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ ኣሎ፡፡

ነዚ ስዒቡ እቶም ዓቀብቲ ሰላም ብርኪ ብብርኪ ከምዝወፅኡ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ወርሒ ሰነ ድማ ጠቕሊሎም ከምዝወፅኡ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ዳርፉር ዝተዋፈረ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩናሚድ)፥ ካብ 2007 ጀሚሩ ን13 ዓመታት ልኡኽቱኡ እናፈፀመ ፀኒሑ ኢዩ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ድማ እቲ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ዝነብሩ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ምዝዛም ልኡኽቶ ዩናሚድ ስዒቡ ንተቓውሞ ናብ ኣደባባይ ከምዝወፅኡ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.