Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ድግመ ህንፀት ትግራይ ኩሉ ትግራዋይ ክረባበርብ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ድግመ ህንፀት ክልል ትግራይ እጃም ኩሉ ትግራዋይ ዕዙዝ ብምዃኑ ኩሉ ትግራዋይ በቢዘላቶ ዓቕሚ ክረባበርብ ከምዝግባእሉ ፖለቲከኛን በዓል ሞያ ሕግን ኣይተ ከበደ ኣሰፋ ገሊፆም።

ንእማመ ሰላም ፕሪቶሪያ ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ወረ ኵናትን ድምፂ ጥይት ካብ ምስማዕ ሩፍታ ካብ ዝረክብ ኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቑፂሩ እዩ። እዚ እማመ ሰላም ድማ ሽቱኡ ንክሳኻዕ ምሁራት ትግራይ፣ ውዳባት ፖለቲካ ትግራይን ካልኦት ይመልከተኒ እዩ ዝብሉ ኣካላት ግደኦም ክዓሙ ከምዝግባእ ኣይተ ከበደ ኣሰፋ ኣተሓሳሲቦም።

በቲ ኵናት ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ናብ ንቡር ንክምለሱን ኣገልግሎት ንክህቡን ኢሉ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያታት ተዋፊሩ ዝርከብ ድማ በቲ ዘለዎ ዓቕሚን ውህብቶን ክሕግዝ ዝኽእል ትግራዋይ ኩሉ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ክረባረብ ይግባእ ክብሉ እውን እቶም ፖለቲከኛ ሓቢሮም።

መሰረተን ክልል ትግራይ ዝገበራ ውድባት ፖለቲካ ኢሉ እውን ምሁራን ትግራይን ካብ ምትህልላኽን ወፂኦም ንህዝቢ ትግራይ ካብ ዘይረብሕን ዋጋ ካብ ዘኽፍል ሓበሬታት ካብ ምንዛሕ ተቖጢቦም እቲ ሓዱሽ ወለዶ እውን ነዚኦም ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንዘጋውሑ ኣካላት ይኣክል ክብሎም ከምዝግባእ ኣይተ ከበደ  ሓቢሮም።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኹ ኣብ ህንፀት ሃገር ልዑል እጃም ዘበርከተ ከምቲ ምዃኑ ነዚ ክብሩ ዘይምጥንን ምስ ጎረባብቱን ኣሕዋቱን ሰሪሑ ንክይነብር ዝነጥፉ ኣካላት ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባሮም ተዓቂቦም ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘራኽብን ኣብ ከባቢኡ ሰላም ዝፈጥረሉ ባይታ ክመቻቾ ከምዝግባእ እውን ገሊጾም፡፡

ኩሉ ካብ ናይ ትማሊ ጌጋኡ ተማሂሩ ናብ ብሩህ ተስፋ ፅባሕ ንከማዕዱን ኣብ ህንፀትን ሰላምን ሃገር ብዕቱብ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣይተ ከበደ ኣሰፋ ፀዊዖም፡፡

ብታሪኩ ወ/ሰንበት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.