Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጀርመን በርሊን ዓመታዊ ዓለም ለኸ ኤግዚቢሽን ቱሪዝም ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጀርመን በርሊን በቢዓመቱ ዝካየድ ዓለም ለኸ ኤግዚቢሽን ቱሪዝም (ITB) ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ኤግዚቢሽን÷ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ፍሉጣት ኩባንያታት ቱሪዝምን ሃገራትን ዘለወን መብፅሒን ግልጋሎት ቱሪዝምን ዘፋልጡሉ መድረኽ ኢዩ።

ኣብቲ ኤግዚቢሽን ዝተረኸባ ሚኒስትር ቱሪዝም ፌዲሪኢ ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ፥ ኢትዮጵያ ነቲ ዓውዲ ትኹረት ብመሃብ እናወገነቶም ትርከብ ተግባራ እናፋለጣ ይርከባ።

ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር እትውግኖም ልምዓታት መብፅሒን መስሕባት ቱሪስትን እናፋለጣ ከምዝኾና ተገሊፁ።

ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት እውን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ልዝብ ኣካይደን።

ኣብቲ ኤግዚብሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሓት ግልጋሎት ቱሪዝም ዝህቡ ናይ ውሽጢ ሃገር ትካላት እናተሳተፉ ይርከቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.