Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ገፀር ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝሕደስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ ዝውዕል 1 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ገፀር ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝሕደስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ ዝውዕል 1 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ከምዝረኸበ ኢንስቲቲዩት ሮኪ ማውንቴን ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንስቲትዩት ከምዝሓበሮ፥ እቲ ካብ ፋውንዴሽን ኔዘርላንድስ ኣይ ኬ ኢ ኤ ዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ገፀር ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝሕደስ ሓይሊ ካብ ምቕብ ሓሊፉ እቲ ሓይሊ ብግቡእ ብምጥቃም ተወሳኺ ኣታዊ ንምርካብ ዝዓለመ ኢዩ።

ኣብ ውሽጢ ኽብረተሰብ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ክዓቢ ብምግባር ኣብ ገፀር ክፋል ኢትዮጵያ ዘሎ ተበፃሕነት ሓይሊ ኤለክትሪክ ውፅኢታዊ ዝገብር ሓገዝ ከምዝኾነ ኢዩ ኢንስቲቲዩት ሮኪ ማውንቴን ገሊፁ ዘሎ።

ቀረብ ዝሕደስ ሓይሊ ምስ ቀረብ ዘላቒ ሐሳይሊ ኤሌክትሪክ ብምፅማድ ውፅኢታዊ ናይ ምግባር ድሌት ከምዘለዎ እቲ ሓገዝ ዝገበረ ፋውንዴሽን ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.