Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝተትሓሓዘ ብቋንቋ ዓረብ ምስ ዝፅሕፉ ሰብ ሞያታት ሚዲያ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ዳይሬክትር ጀነራል ፓብሊክ ዲፕሎማሲን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝተትሓሓዘ ብቋንቋ ዓረብ ምስ ዝፅሕፉ ሰብ ሞያታት ሚዲያ ዘተ ተሳሊጡ።

ኣበብቲ እዋን ዘተ ኣብ ህልዊ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስን ኣብ ቀፃሊ ክስርሑ ዝግበኦም ዓውዲታትን ዘተኮረ ልዝብ ተገይሩ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ሰብ ሞያታት ሚዲያ ምስ ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ዝገበሩዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ብምድናቕ ነቶም ሰብ ሞያታት ኣመስጊኖም።

እቶም ሰብ ሞያታት ሚዲያ ምስ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ቅዋም ኢትዮጵያ ብንቋ ዓረብ ንሃገራት ዓረብ ኣብ ምፍላጥ ዝግበር ምንቅስቓስ፥ ብዕምቆት ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ቀፃሊ ተወሳኺ ኣንፈታት ብምፍላይ ምንቅስቓስ ከምዘድሊ እውን ተሓቢሩ።

ብመንፅር እዚ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ሃገራት ዓረብን ኣብ ዘፈር ህዝቢ ንህዝቢ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ ቱሪዝምን ካልኦትን ዘፈራትን፤ ብመራኸብቲ ሓፋሽን ብፐብሊክ ዲፕሎማሲን ክስርሑ ዝኽአሉ ስራሕቲ ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት እቲ ኣቐባሊ ቃል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.